Don't wanna be here? Send us removal request.
Text
ምዓት አዕሩኽተይ እየ ስኢነ:: ናይ መስዋእቲ ነገር ድማ ፀፀኒሑ እዩ ገፆም ዝመፀልካ:: ስራሕ ገለ ትብል'ሞ ግን ኣይትኽእልን:: ርእስኻ ተረቢሹ እዩ ዘሎ:: ኩሉ ዘሕለፍካዮ ኣብ ርእስኻ እዩ ዝፀንሕ:: እቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ሕኹትኩት እንትርእይ ድማ ዝብኣሰ ሕርቃን እዩ ዝለቕቀልካ:: እዚ ኩሉ መንእሰይ ሃሊቑ እንዳሃለወ እቶም መራሕቲ ግን ክንዲ እቲ መንእሰይ ዝወደቐሉ ዕማም ዘፈፅሙ ብወናብር እንትናቖ�� ትበሽቕ:: እቲ ዝተሰውአ ነዚ ምርኣየስ እንታይ ኮን ይስምዖ ይኾን ኢልካ ትሓስብ:: NO; ምሕሳብ ናብ ትካዘ እዩ ዝወስድ:: እቲ ዝተሰውአ'ኮ ወንበር ንምሕላው ኣይኮነን ተሰዊኡ:: ክነብር ዝነበረ ቆልዓ'ኮ ብሰንኪ ስንፈት መራሕቱ እዩ ተሰዊኡ ዘሎ:: እታ ዝንኣሰት ክትገብራ ዘለካ ነቲ ስውእ ተጋዳላይ ነቶም መራሕቲ ተቓሊስካ ከም ዝሕተቱ ምግባር እያ ዝትኸውን:: ሓቂ ነዚሕካ ህዝቢ ብኣግባቡ ከምዝፈልጦም ገይርካ ጥርሖም ኢኻ ክተትርፎም ዘለካ:: እቶም መራሕቲ ክሕተቱ ኣለዎም:: ናብዚ ኩሉ መከራ ዘእተውና መራሕቲ ሒዝና ክንቅፅል ከም ዳግማይ ውርደት እዩ ክቁፀር ዘለዎ:: ኩለን ዝገበርወን ኣብ ፅሓይ ኢኻ ክተስጥሐን ዘለካ:: መጥቃዕቲ እንትበዝሖም ውድብ ንምፍራስ ይንቀሳቀሱ ኣለው ኢሎም ንውድብ ከም መሐብኢ እዮም ክጥቀሙላ:: ማንም ውድብ ንምፍራስ ዝንቀሳቀስ የለን ኣብዚ:: መራሕቲ ህወሓት ከምታ ምሽጥራት ሓባቢኦም ንህዝቢ ኣብ ፅቡቕ ኣንፈት ንርከብ እንዳበሉ ዘዋረድዎ ኣንሕና ድማ ነተን ምሽጥራት ናብ ደገ ኣውፂእና ኢና ክነዋርዶም; ክነውርዶም: ኣብ ቤት ፍርዲ ጠጠው ክነብሎም:: ውድብ ዘፍርስዋ ዘለው እሶም እቶም መራሕቲ ባዕሎም እዮም:: ውድብ ማለት ሓሳብ ማለት እምበር ህዝቡ ዘወድእ ሰነፍ ኣመራርሓ ማለት ኣይኮነትን:: እዚ ኩሉ መርድእ ዝሕተተሉ ሰብ ክህልው ኣይግብኦን ድዩ? እቲ መንእሰይ'ኮ ከም ቆፅሊ እዩ ረጊፉ:: ንውድብ ዝሓስበላ ሰብ ነቲ ፀገማት እንዳፈለጠ ተጠዋሪ ብሙኻኑ ነገራት ዝሕምዙቕ ኣባል ውድብ እዩ ክፍንፍኖ ዝግባእ:: ውድቡ ንምድሓን እቲ ኣባል ንመራሕቲ ውድብ ክሓትት ኣለዎ:: ማንም ግን ውድብ ንምፍራስ ኢሉ ዝተልዓለ የለን ኣብዚ:: ውድብ እንተዘይጠይቓ: ኣባላታ ፈርሓትን ፅግዕተኛታትን እንተኾይኖም ኣነ ነቶም መራሕቲ እንዳሳደድኩ እየ ኩለን ከውፅአን:: ውጥር እየ ክብለኩም: ዓቕልኹም ፅብብ እስካብ ዝብለኩም ናታትኩም ሓበሬታ ንህዝቢ ትግራይ እየ ክምግብ:: መራሕቲ ህወሓት ክትወርዱ እለኩም:: ሓደ ኢለ ሎምዓንቲ ስርሐይ ይጅምር እየ ዘለኹ:: ኩሉ እቲ ሓበሬታ እዩ ክወፅእ ካብ ሎሚ:: ህዝቢመራሕቱ ከመይ ከም ዝኾኑ ኣፀቢቑ ይፍለጦ::
🚨 ቃለ ጉባኤ ናይ ሀወሓት ??ኣኼባ??🚨
*ዕላማ እቲ ኣኼባ ውዕሊ ፕሪቶርያ ንገምግም ብዝብል ነቲ ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር መሪሕነት ንምእጋድ እዩ ነይሩ::
*እቶም ስራሕ ፈፀምቲ ናብ ደጀን ቢሮ ተፀዊዖም ሰራዊት ኣዘዝቲ ኣብ ዝነበርዎ እቲ ኣኼባ ከካይዱ ከምዘይፍቀደሎም ንካልእ ግዘ ንከናውሕዎ ተነጊርዎም::ኣብዚ ብዙሕ ክትዕ ዝነበረ እንትኸውን እቲ ኣባል ብበዝሓ ከም ዝመፅአ ዋላ እንተሓበሩረቲ ኣኼባ ንካልእ ግዘ ንከናውሕዎ ተነጊርዎም ተስማዕሚዖም::
*ደብረፅ���ን ብዛዕባ ኣኼባ ምቕያሩ መሰረት ጌሩ ኣመኽንዮ ከም ዝስዕብ አቅሪቡ፤
ደብረፅዮን፦ እዚ መደብ እዚ ውድብን መንግስቲ ሓቢርና ኢና ኣቂድናዮ፡፡ እዋናዊ ስራሕቲና እውን ኣዋዲድና ኣብ ዓዲ ዝፀንሕ ናብዚ መደረኽ ኣኼባ ዝመፅእ ፈሊና ኢና ኔርና፡፡እቲ ኣኼባ ብቤት ፅሕፈት ህወሓት እዩ ተፀዊዑ ደሓር ግና ብመንግሰቲ ከይትመፁ ተባሂሎም፡፡ ብፍላይ ውድብ ፃዊዒት ምስ ኣውረደ እዩ መንግስቲ ኣይቅበሎን ኢሉ እዚ ብመሰረቱ ክኾን ኣይነበሮን ዝብል ምልዕዓል ይገብር ውዒሉ፡፡
ኣብዚ ግን እዚ ኩሉ ፀገም ተሸኪምኩም ዝመፃእኹም ካድረታት ብርግፅ ግቡእኹም እዩ ግን ድማ ክትምስገኑ ይግባእ፡፡ እቶም ተሪፎም ዘለው ኣመራርሓ እውን ዝጠለሙ ኣመራርሓ ኣይኮኑን፤ ብመሰረቱ ናትና ናይ ኣመራርሓ ሽግር እዩ፡፡ ማለት ገሊኡ ዝተረፈ ኣመራርሓ ብሕማም፤ ገሊኡ ከይትኸዱ ተባሂሉ ተገዲዱ ዝተረፈ እዩ፤ ገሊኡ ክኣ ኣብ ከምዚ ዝተዘረገ ኩነታት መጀመርያ እዚ ኣዕርይዎ ክንመፅእ ኢሎም ዝተረፉ፤ ብኻሊእ መዳይ ብስሩ ኣይንሳተፍን ዝበሉ ኣለው፡፡ ከምቲ ዝበልኩሞ ዝተጨነቐ ህዝቢ በዚሑ እዩ እዚ ምስ ኣኼባ ዝተትሓሓዘ ፀገም ምስተልዓለ ናብ ፎቆድኡ ገዛ ገዛ ጻጻሳት ሼኻት፤ ሰራዊት ኣመራርሓ፤ ዝተተክኡ ማእኸላይ ኮሚቴ ናብ ፈፃሚት ኩላህና መፂኡ ሐዚ ኩሉ ግደፉ ህድእ በሉ ኢሎምና፡፡ማለት ኣብ ዘይተረጋግአ ኩነታት ኮይንና ናይ ካድረ ኣኼባ ክነካይድ ኣይንኽእልን ምኽንያቱ ውፂኢቱ ሕማቕ እዩ፤ ብሱ እውን ውፂኢት ኣየምፅእን፤ ኣብ ዝተወጠረ ስሚዒት ኮይንና ውሳነ ምምሕለላፍ ኣይክኣልን፤ ካሊእ ብሰሩ እውን እቶ ናብዚ መደረኽ ዘይመፁ ካድረታትን ማእኸላይ ኮሚቴን ይምፅኡ ኩነታት እውን ርግእ ኢልና ንርኣዮ፡፡ ብሰሩ ነቲ ፀገም እውን ማእኸላይ ኮሚቴ ይርኣዮ ይገምግሞ ስለዚ ኣብ ዝተረጋገአ ኮይንና ንርኣዮ፡፡ ብምባል ኣብዚ መሰረት ብምግባር ሓሳባት ምልዓል ይክኣል እዩ ፤ ብዝብል ናብ ተሳተፍቲ ዕድል ምሃብ ተኣትዩ ::
1.ተስፋኣለም ካብ ናይ ምዕራብ ዞባ ኮሚቴ፤
እዚ ፀገም ተፈጢሩ ዘሎ ክኸውን ኣይግበኦን ኣመራርሓ ችግር ይፈጥር ኣሎ ፍትሕዎ ሐዚ ክንዘራረብ ወይ ናብ ኣጀንዳ ክንኣቱ ኣይንኽእልን ዝብል ቅቡል እዩ፡፡
2.የውሃንስ ገ/ኣምላክ ናይ ዓድዋ ከተማ ከንቲባ፤ ኣብዚ እውን ብተመሳሳሊ ኣብዚ ካድረ ብዙሕ ፀገም በፂሑና እዩ፤ ስለዚ ኣብ ሓፂር ግዜ እቲ ኣኼባ ክካየድ ኣለዎ ዝብል ኣሎኒ፤
3.ብርሃነ ከበደ ወዲ ከበደ ፤ ኣግበ መሰልጠኒ መናእሰይ ዳይሬክተር፤ ግርም ከምዚ ዝበለ ስሚዒት ሒዝና ኣኼባ ክነካይድ ኣይንኽእልን ዝብል ግቡእ እዩ፤ ይኹን እምበር እዚ ኣኼባ እዚ ብትካላዊ ኣሰራርሓ ዝተፀወዐ ሕጋዊ ኣኼባ ምዃኑ ይኣምን፤ እንታይ ደኣ እዩ ዝሕምሰና ዘሎ ዝብል ግን ናተይ ወንበር ትዓቢ ኣነ እየ እዛ እምባ ዝወርሳ ብዝብል ንሕመስ ኣለና፡፡ ካባኻ ካብ ኣቦወንበር ውድብና ህወሓት ጀሚሩ ክሳብ ማእኸላይ ኮሚቴ ዘለኹም ውድብ ኣብ ኢድኩም ውድብ ተጥፍእዋ ኣለኹም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ተእትውዎ ኣለኹም ካባና ወፃኢ ህዘቢ ትግራይ ክመርሖ ዝኽእል ኣማራፂ ሓይሊ የለን ስለዚ ክፍታሕ ኣለዎ፡፡ እዚ ኢለ አርባዕተ ቅድመ ኩነታት መፍትሒታት ኣለዋ እዚ ኣኼባ ናይ ካድረ ሕጋዊን ትካላዊን ምንባሩ ብሚድያ ንህዝቢ ክንገር አሎዎ በዘይ ኣግባብ ዝተኣገዱ ወይ ዝተቐፅዑ ኣመራርሓ ቐልጢፉ ክእረም ኣለዎ፤ብቐፃሊ ዝግበር ገምጋምን ኩልና ናይ ሓሳብ ክትዕ ክፍቀድ ከም ናይ ባዕልና መፍትሒ ሓሳብ ብፅሑፍ ሒዝና ክንመፅእ ክፍቀደልና ሐዚ ህወሓት ሕጋዊ ኣፍልጦ ኣይብሉን ስለዚ ማእኸላይ ኮሚቴ እውን ክፈትሕ ስለዘይክኣለ ኮሚቴ ብምጥያሽ ሕጋውነት ንምርካብ ክንሰርሕ ንግዚያዊ ምምሕዳር ኣብ ሐደጋ ዘውድቕ ነገር ክንገብር ከም ዘይብልናን፤ ህወሓት ክሳብ ገምጊሙ ናይ ኣመራርሓ ሓይሊ ሰብ ምምዕርራይ ክሳብ እንገብር፤
5.ትካቦ ካብ ማኽላይ ዞባ፤ (ወዱ ከየጋደል ዝአበየ ካብ ወደይ ዘጋድል ስልጣንኹም ይትረፈኒ ኢሉ ዝለቀቀ ሓዚ አመራርሐ ኢሎም ዘምፅእዎ)
እዚ ዝተፀውዐ ኣኼባ ብኣካይዳ ዝተፀውዐ ሕጋዊ እዩ፤ ብትካላዊ ኣካይዳ ኣግባብ እዩ ዝብል ኣለኒ፤ ናብዚ መደረኽ ውድብ ከድሕን ዝደለየ ናብዚ መደረኽ መፂኡ ኣሎ፤ ካብዚ ወፃኢ ዘይመፀ ግን ኣይደለየን ስለዚ እዚ ኣኼባ ሐዚ ክከየድ ኣለዎ ይብል፡፡ ካሊእ ፀገም ክፍጠር ይኽእል ኣብ ልዕሊ ውድብ፤ ገምጋም ዝፈርሕ ሓሳብ ዝዕፍን ኣመራርሓ ተፈጢሩ ናብዚ ክንመፅእ ክንደይ መከራ ኢና ረኺብና፤
6.ተኽላይ ገ/መደህን ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብ፤ ከም ፈፃሚት ነዚ ኩነታት ዝረኣኹሞ ሓሳብ ኣግባብ እዩ ዝብል ኣሎኒ፤ ናይዚ ኣኼባ ኣፀዋውዓ እውን ሕጋዊ እዩ፤ ኣብዚ መደረኽ ዘይተሳተፉ ኣመራርሓ በቲ ካብ መደረኽ ዝበልካዮ ዘይኮነስ ሓሲ��ም ዝወሰኑዎ ጥሕሰት ትካላዊ ኣሰራርሓ እዩ፤ ኣብ ሕገ ደንብና …ኣብ ኣኼባ ዘይተረኸበ ወይ ዘዕንቀፈ ካብ ኣባልነት ይባረር እዩ ዝብል ስለዚ ሐዚ ክንውስን ኣሎና፡፡ ኣነ ሕገ ደንቢ ልዕሊ መፅሓፍ ቅዱስ እየ ዝሪኦ ፤ እቶ ኣብ ሕገ ደንቢ ውድብና ዝተቐመጡ ዓንቀፃት ካብቶም ናይ ቃል እግዚኣቢሄር 10 ትእዛዛት ኣብሊፀ እየ ዝሪኦ ከምኡ እየ ዝኣምን፤ኣብ ፎቖድኡ መደረኽ መንግስቲን ውድብን ንፍለዮ እናበለ ዝውዕል ዝነበረ ሐዚ ንምንታይ ኣኼባ ንውድብ ዝኽልክል ካሊእ ምኽንያት እዩ፤ ብስሩ ንባዕሉ ዘይጥርንፍ ንባዕሉ ጥርናፈ ዘየኽብር ከመይ ጌሩ ንዓይ ይመርሕ በየናይ መለክዒ ንዓይ ክመርሕ፤፤ከም ናተይ እምነት ሐዚ ማእኸላይ ኮሚቴ ገምጊሙ ዝዕኮት ዝጭበጥ ገምጋም ሒዙ ክመፅእ ኣይኽእልን ፤ ናይ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣኼባታት ሸሕ ግዜ ብዘይተፈለጠ ጉዳይ ይስበር ኣይካየድን፤ ንገምግም እንተበልካ እዚ ነፅብቦ ይብል ፤ ኣፅቢብካ እንተምፃኻ ድማ እዚ ገምጋም ነግፍሓዮ እናበለ ገምጋም ዝፈርሕ ኣብ ሸለው ላጋ ከንብረን ዝደሊ ሓይሊ እዩ፤ እዚ ድማ ምግምጋም ኣቢይዎ ዘይኮነስ ናይ ፖለቲካ ኣሰላልፋ ዝቐየረ ሓይሊ ኣሎ ኣብ ማእኸላይ ኮሚቴ፤ ኣጀንዳ ጀሚርና ክንውድእ ኣይንኽእልን እዚ ቀንዲ ፀገምና እዩ፡፡
7.ገብረ ካሕሳይ ወይ ገብረ ኢረብ፤
ብቓልስና ዘምፃ��ዮ መሰል ዓርሰ ውሰነ ሓሳብ ተመንጢልና፤ ናይ ውድብ ኣኼባ ዝኽልክል ዘሎ ሓይሊ ከም ናይ ቅድሚ 1983ዓ/ም ዝነበረ ኩነታት እዩ ዘጋጥመና ዘሎ፤ ኣኼባ ዝኽልክል ዘሎ ዝተወደበ ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ እዩ ዘምክን ዘሎ፤ ውድብን መንግስትን እናበልኩም እትፈልዩና ዘለኹም ንስኹም ኢኹም ንውቓዕ ዘለና እውን በዚ ምኽንያት እዩ፡፡ ብስሩ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይ ህወሓት ዕላማን ክብራታት ዘይብሉ፤ ናይ ህዝቢ ትግራይ ክብሪ መንነትን ዘይብሉ ሓይሊ እያ ትግራይ ትምራሕ ዘላ ፤ ስለዚ ኣብ ፀገም ኢና ዘለና፤ እዚ ኣኼባ እንተተቋሪፁ እቲ ህዝቢ ከመይ ኢሉ ክቕበለና፤ እንድያውም ኣደዳ እቶም ኣይንመፅእን ዝበሉ መፃወቲ ኢና ንኾን ስጉምቲ እውን ክወስዱልና ይኽእሉ እዮም፤ ኣጀንዳ ኣግባብ እዩ ኣኼባ ዝተፀወዐ ብውድብ እዩ ምልኣተ ጉባኤ እውን ሰማንያ ሚኢታዉ መፂኡ ንምንታይ ደኣ ኣኻባና ዘይነካይድ፤ ህዝቢስ እንያ ክብለና፤ ኣደዳ መፃወቲ ፀላእቲ ክንኮን ስለዚ ግደፉ ንቃስ
8.ተኽለብርሃን ኣርኣያ ቑፅፅር ኮሚሽን ኣቦወንበር፤ ሐዚ ናብ ገምጋም ምእታው ኣግባብ ኣይኮነን ገይጋ እዩ፤ ሐዚ ከም ካድረ እንታይ ኢና ንደሊ ዝብል እዩ ክርአ ዘለዎ፤ እቲ ካድረ ናብ ከምዚ ዝበለ መድረኽ ምምፅኡ ፀገማት ምሕላፍ ኣግባብ እዩ ክኾን ዝግበኦ እውን እዚ እዩ፤ ስለዚ መጀመርያ ብስርዓት ሕገ ደንቢ ኢና ክንሪኦ ዘለና ዓንድና ክኮን ዝግበኦ እውን ትካለዊነት እዩ፡፡ ንማእኸላይ ኮሚቴ ኣልሚስዎ ዘሎ ፖሊት ቢሮ እዩ፤ ንካድረን ኣባልን ኣልሚስዎ ዘሎ ድማ ማእኸላይ ኮሚቴ እዩ፡፡ እዚ ናይ ካድረ ኣኼባ ኣቐዲሙ ክፅዋዕ እውን ማእኸላይ ኮሚሽን ቁፅፅር ፅዒሩ እዩ፤ ውድብ ኣብ መንግስቲ ክሕምዙቕ ኣይግባእን መንግስቲ እውን ከምኡ ኣብ ውድብ ክሕምዙቕ ኣይግባእን ዝብል ኣሎኒ፤ በቲ እትብሉና ዘለኹም ግን እዚ ኣኼባ ብውድብ ዝተፀውዐ ሕጋዊን ትካለዊን እዩ ዝብል ኣሎኒ፤
9.ወልደኣብርሃ ገ/ፃዲቕ ናይ ደቡብ ምብራቕ ውድብ ቤፅ ዝነበረ፤ ከም ኣቦወንበር ዶር ደብረፅዮን ንኹሉ ልክዕ እናበልካ ምኻድ ኣግባብ ኣይኮነን ምኽንያት ንፀሊም ፀሊም ክበሃል ንፃዕዳ እውን ፃዕዳ ክበሃል ይግባእ፤ ምርሑና ስለዝበልናስ ኣብ ዝደለኹሞ ዝመፅእ ኣብ ዘይደለኹሞ ዝኸይድ ካድረ ክኮን ኣግባብ ኣይኮነን፤ እዚ ብቐፃሊ ክኮን አላዎ እንብሎ ዘለና እውን ብሓባር ክነዋድዶ ኣሎና ፤ ማእኸላይ ኮሚቴ ምስ ናይ ሰራዊትን ባርን ኣመራርሓ ብሓባር ብምዃን ክመዓራረ ኣለዎ፡፡ ነዚ ዝተዋደደን ዝተወሰነነ መድረኽ እውን ቁፅፅር ኪሚሽን ናይ ውድብ ክከታተሎ ኣለዎ፤
10.ተኪኡ ምትኩ ነበር ፀጥታ ቢሮ ሓላፊ፤ ኣብዚ መደረኽ ናይ ሐዚ ክእረም ዘለዎ ገምጋም ክዝረብ ኣይግባእን ብዛዕባ ኣኼባ ኢና ንዛረብ ዘለና፤ ስለዚ ሐዚ እውን ብውነ ንርኣዮ ፣ ናይ ኣመራርሓ ምርድዳእ ዘይትገበሮ መደረኽ ውፂኢታዊ መደረኽ ክኾን ኣይኽእልን ስለዚ ካብ ኣፀዋውዕኡ ጀሚሩ ክዕረ ኣለዎ ዝብል ኣሎኒ፤ ምኽንያቱ መሰረታዊ ሽግር ናሃትና ናይ ኣመራርሓ ካብ ተብሃለ ሐዚ እውን ኣብ ማእኸላይ ኮሚቴ ብምርድዳእ ክፍፀም ይግባእ፤ መንግስቲ እውን ነፃ ክኾን ኣለዎ ኣብዚ ዝልዓ ዘለው ሓሳባት ኣግባብ ኣይኮኑን ዝብል ኣሎኒ፤ዓርሶም ኪኢሎም ስርሖም ይስርሑ ከም መንግስቲ ካሊ ዘረባ ኣየድልን፡፡ ሽማግለ ዝምልከት እውን ንሕና ከም ውድብ ከም ማእኸላይ ኮሚቴ ፀገምና ምፍታሕ ስለዝኣበየና ብሽማግለ ንፍትሓዮ ��ብል ውሳነ ኣየሕለፍናን ነኒውልቅኹም ዝረኸብኹም ሽማግለ ናይ ውድብ ኣይትገበሩዎ እየ ዝ���ል፤ ሽግር ናይ ኣመራርሓ እዩ እንተኢልና ካሊእ ገምጋማት ሐዚ ይፅነሐልና ኣየድልን ምስገምገምናዮ ይኹን፤ ስለዚ ናይ ማእኸላይ ኮሚቴ ሰዐቡ ናይ ካድረ ኣኼባ ኩሉ ኣብ ምርድዳእን ምርድዳእን ኮኾን ኣለዎ ዝብል ኣሎኒ ናይ ህልና ዕግበትን ዕረፍቲን ዝፈጥረለይ እዚ እዩ፤
11.ጀነራል የውሃንስ መዲድ፤ ነዚ ኩነታት ብብልሓት፤ ብትዕግስቲ ብጥበብ ክሕለፍ ዝግበኦ መደረኽ እዩ፤ እቲ መላእ ካድረ እውን ከምዚ ስኽል ኢሉ ምርኣን ሓሳብ ምልዓሉን ግርም እዩ ይብል፤ ነዚ ውጥረት ንምህዳእ ናብዚ እንትንኣቱ ሽማግለታት ኮይንና ከይኮነስ ሰብ ዋና ስዘኾንና እዩ፤ ብርግፅ ናይ ውድብ ፀገማት ካብ ዝበላሸው ኣነ እውን ምምራር ካብ ዝጅምር 5 ዓመት ገይረ ኣለኹ፤ ስለዚ እናተንከባለለ ዝፀንሐ እዩ፤ ስዘሊ እዚ ናይ መደርኽ ምውዳድ ፀገም ምስኣጠመ እውን ነቶም ፈፃሚት ብቢውለቆም ረኺናዮም ክሰምዑና ስለዝግባእ እውን ሰሚዖምና የቕንዮም፤ ናይ በሳላት መራሕቲ ዓቕሚ ዝህነፅ ዝበቅዕ ኣብ ከምዚ ዝበለ ወሳኒን ኣፀጋሚን መድረኽ እዩ፤ በቲ በለ በቲ እዚ ናይ ሐዚ ናይ መንግስቲ ይኹን ናይ ውድብ ኣመራርሓ በትሪ በዚሑዎ እዩ ይኹን እምበር ባዕሉ ዝፈጠሮ በትሪ እዩ፤ ብጭቡጥ ሐዚ ናይ ፀላእትና ድሌት እንታይ እዩ፤ ንዓና ምጥፋእ እዩ ኣብዚ ክልተ ነገራት ጥንቓቐ መንግስቲ ይኹን ውድብ ሓዲኦም ድዋዕ እንተኢሎም እንታይ ከም ዝገብሩና ክንፈልጥ ኣሎና፤፤ ኣብ ውሽጢ ውድብ ዘሎ ውጥጥ ናሃትና ፀገም እዩ፤ ብርሑቕ ምፍርራጅ ኣይጠቅምን ክብትነና እዩ እከለ ከምዚ እከለ ከምዚ ካብ ኣኼባ ዝተረፍኩም ከምዚ፤ ዝፀዋዕኹም ከምዚ፤ ከይትኸዱ ዝበልኩም ከምዚ ናብ ዝብል ምውንጅጃል ክእቶ የብሉን ምክንያት ፀላእትና ክንበታተን እዮም ዝደልዩ፡፡ ዝኾነ ነገር ክግበር እዩ ግን ብሕጋዊን ትካለዊን ኣካይዳ፡፡
12.ማሾ በየነ፤ እዚ ፀገም ብሰላምን ምርድደኣን ይፈታሕ፤ ሐዚ ኣኼባ ክከየድ ኣይኽእልን ፤ ናብዚ ኣኻበ ዝመፁ ካብዚ ኣኼባ ዝተረፉ ብዝብል ምፍራጅ ኣየድልን፤
13.ፍስሃ ማንጁስ፤ ናብዚ ዕንክሊል ዘእትወና ዘሎ ቑልፊ ፀገም ናይ መሪሕነት ጉድለት እዩ፤ ማለት ኣብዚ ምረኣይ ዘድልዮ ደብሪፅ መጀመርያ ናይ ፈፃሚትን ማእኸላይ ኮሚቴን ገምጋም ግበሩ ናይ ካድረ ኣኻበ ክፅዋዕ ኣይብሉን ዶ ኣይበልናካን ንምንታይ ናብ ምፅሓፍ ኣቲኻ፤ ጌታቸው እውን ፅሒፉ ንስኻ እውን ተመሊስካ ፅሒፍካ ንምንታይ ከምዚ ይኾን ልክዕ ኣይኮነን፡፡ ኣብዚ መድረኽ ልዕሊ 14 ማእኸላይ ኮሚቴ ብምትራፎም ንዓይ ዘስደምም እዩ ብዜከ እዚኦም ከመይ እዚ ኣኼባ ከካየድ ይኽእል፤ ኣነ እዚኦም ኣብ መንግስቲ ብዘለዎም ሓላፍነት እየ ዝሪኦም ስለዚ ክከየድ የብሉን፤ ፀላእትና ከበታቱንና እዮ ዝደልዩ ዝብል ከመይ ኢሉ ባዕልትና ኢና ንበታተን ዘለና፤ ስለዚ አዚ ኤኻበ ደው ነብሎ ተረጋጊእና ንረኣዮ ኢነ ኢልና፤ ከም ወታደራዊ መራሕቲ ሓንቲ ክትሽለፍ ዘይግብኣ መንግስቲ ይሃልወና ነቲ ህዝብና እውን ብኣግባብ ነረድኣዮ፤ ከም ሰራዊት ክግበር ዝግበኦ ነገር ክንገብር ኢና፡፡ ስለዚ ውድብን መንግስቲን ሚዛን ሓልዮም ክኸዱ ክንገብር ኢና ኣብዚ ዘውደልድል ዝሽከም አንግድዓ ኣይብልናን ንህዝቢ ትግራይ ክብሪ ንሃቦ፤፤ ምንም ህዝቢ ትግራይ መራሒ ኣይስእነን ቅንዕናን ተወፋይነትን ዘለዎ ሓረስታይ እውን ክመርሖ ዝኽእል እዩ፡፡
14. ምግበይ ሃይለ፤ እዚ ካድረ ብኩናት ዝተፈተነ እዩ ብዙሕ ሰሪሕኹም ኢኹም ፤ ሐዚ እውን ብብስለት ምርኣይኩም ዝንኣድ እዩ፤ ዝተፈላለየ ናይ ውልቀን ጉጅለን ድሌት እናዓበየ ኣብ ዝመፀ ፀገም ዝፍጠር ዘሎ፤ ኣጀንዳ ህዝቢ ትግራይ ብኣናእኽተይ ኣጀንዳ ከይምንጠል ስግኣት ኣሎኒ ስለዚ ኩሉን ንለብም፤
15.ሃለቃ ፀጋይ በርሀ፤ ንሕና ሽማግለታት ኣይኮናን ንባልና ህወሓት ኢና፡፡ ኩሉ ሓሳባት ዝለዓል ዘሎ ግርም እዩ ፅቡቕ እዩ ሐዚ ኣብዚ ምርኣይ ዘድልየና ግና ኣየናይ ሕማቕ ይሕሸና ዝብል እዩ፡፡ ኣብዚ ኣዳራሽ ዝሰማዕኹዎ ክእረም ዘለዎ ግን ንገሊኡ በጊዕ ንገሊኡ ቶኽላ ምባል ፍፁም ፀገምና ዝፈትሽ ኣይኮነን ብኣግባብ ንርኣዮ፤ ገይጋ እዩ ክእረም ኣለዎ፤ ከም ነባር ዝተተካእና ማ/ኮሚቴ ክነዘራርቦ ፈቲንና ኢና ብቐፃሊ እውን ዘለና ሓሳብ ክንህብ ኢና፤፤
16.ኣምባሳዶር ኣባዲ ዘሞ፤ ሐዚ ውድብና ለሚሳ እያ፤ በቢደረጅኡ ዘሎ ኣመራርሓ ብዝፈጠሮ ችግር እዩ፤፤ ኣብዛ ጉዳይ እዚ እቲ ሐዚ ዘኒሀ ኣመራርሓ ናይ ውድብ በይኑ መፍተሒ የምፅእ እዩ ምባል ዘበት እዩ ፤ ጌታቸውን ደብረፅዮንን ውድብ ኣብ ኢድኩም ትቐትሉዋ ኣለኹም፡፡ ብጣዕሚ ዝገርም ካብ ትካላዊ ኣካይዳ ወፃኢ ትግራይ ወይ ወድብ ብ3 ሰብ እያ ትምራሕ ዘላ ከመይ እንቴልና 5 ፈፃሚት አለው ተኣኪቦም ውሳነ ብኣብዝሓ ዝውስኑ 3 ልዕሊኡን እዮም፡፡ ስለዚ 3 ሰብ እዮም ዝመርሑዋ አዛ ዓዲ፤ ብክልተ ሰላስተ ሰብ ውሳነ ፤ ብመሰረቱ ኣብ ሓደ ክልተ ሰብ ዝተንጠልጠለ ውድብ የለን፤ ገምጋም'ኸ ኣካይዱ ተባሂልኩም ኣቢኹም፤ ማእኸላይ ቁፅፅር ኮሚሽን እውን ትካላዊ ኣካይዳ የለን ፀገም ኣሎ ክንሰርሕ ኣይከኣልናን እንተበሉ ሰማዒ የለን፤ሐዚ ሱቕ ኢልና ክስግሮ ኢና ክንዕወት ኢና ዝብል ጭርሖ ተቐባልነት የብሉን፡፡
፡መጠቓለሊ …
ብደብረፅዮን እዚ ፀገም ክፍታሕ ኔሩዎ፤ ዘይክኣል እውን ኣይነበረን ግን ተፈጠሩ፡፡ ገሌኹም ብሕገ ደንቢ ኣሰራርሓን ንኺድ ዝብል እሞ የዋፅእ ዶ ፤ ይጠቅም ዶ፤ ፍፁም እቲ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣይፈቅድን፡፡ እቲ ኩሉ ተልዕልዎ ዘለኹም ምሰተገማገምና ክነልዕሎ ምስተገማገምና ዝቕንጠብ ክቕንጠብ እዩ፤ ዝእገድ ወይ ዝእለ ክእገድ ወይ ክእለ እዩ፤ ኣብቲ እዋኑ ኣብቲ ቦትኡ ክንዛረበሉ መልእኽቲ ሓሊፉ እዩ እቲ ኣጀንዳ ግን በይንና ክንመያጠሉ ኣብ ውሳነ ክንበፅሉ ኣይንኽእልን፡፡ ብሓባር እዩ ክኾን ዘለዎ፡፡ ኣኼባ ምክያድ ግቡእ እዩ እንድያውም ደንጉዩ ስርዓት ኣካይዳ ውድብ ተኸቲልና እውን ፀዊዕናዮ፣ እንኳን ሰማንያ ሚኢታዊ ከቲቱስ ሓምሳ ክድመሮ ሓደ ተዝኾን እውን ክነካይድ ንኽእል ኢና ግን ፖለቲካዊ ኩነታትና ኣይፈቅድን ኩሉና ኣብ ዘለናሉ ንግበሮ ገምጋምና፤ ኮነ ኢሎም ዘዕንቅፉ ነዚ ኣኼባ ኣለው ዶ እወ፤ ፅናሕ ዝተብሃለ እውን ኣሎ፤፤ ብ���ንቢ ተሰሪሕሉ እዩ ከይመፅእ፤ካሊእ ካብ ሓላፍነት ዝተልዓለ ዞባ ፈፃሚት ንሕና ኣይንፈልጦን ምክንያት ብፖሊት ቢሮ ዝተመደቡ እዮም ኮይኑ ግን ክልዓሉ እንተኔሩ እኳስ ፈፃሚት እዩ ከልዕሎም ዝግባእ እዚ ክነዕርዮ ኢና ብኣሰራ���ሓ ዘርአ ፀገም ኣሎ፡፡ በዚ ኣኻባ ምኽንያት ብምምፅኡ ይኹን በዘይ ምምፅኡ ዝኾነ ይኹን ቅፅዓት ክወሃቦ ኣይግባእን፤፤ግዜ እዚ ናይ ካድረ ኣኼባ መዓዝ ነካይዶ ዝብል ንርኣዮ ምስ ግዚያዊ ምምሐዳር እውን ምርድዳእ ስለዘድሊ ኣብዚ ካብ ዓሰርተ ክሳብ ሓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ዘሎ ክነካይዶ ኢና፡፡ ካሊእ ግን ናይ ካድረ ወከልተኹም፤ ናይ ውድብና ህወሓት ሕጋውነት ንምርካብ ዝሰርሑ ኮሚቴ ክትመርፁ ትኽእሉ ኢኹም ኢሉ አለዓዒሉ ካብ መደረኽ ወሪዱ፤
ድሕሪ ወዲ ከበደ ናብ መደረኽ ብምውፃእ ንማእኸላይ ኮሚቴ ስለዘይንኣምኖ ወከልትና ንምረፅ ብዝብል ካብ ኩሉ ዞባ ዝተውፃእፅኡ ዓሰርተ ሽድሽተ ካድረ ተመሪፆም፤ ስርሖም ዝበልዎ ናብ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣኼባ ዝኣትው፤ ኣኼባ ናይ ካድረ ዝፅውዑ፤ ናይ ወድብ ሕጋውነት ካብ ፌደራል ዝምልሱ ብዝብል ኣብ ሕገ ደንቢ ዘየለ ኣወዳድባ ኣጣይሾም ኣለው
ኣብዚ ኣኼባ ማእኸላይ ኮሚቴ ዘይተረኸቡ አባላት ማእኸላይ ኮሚቴ
1.ጌታቸው ረዳ
2.በየነ መክሩ
3.ኢሳያስ ታደሰ
4.ፕሮፍ ክንደያ ገ/ሂወት
5.ብርሃነ ገ/የሱስ
6.ሰለሞን ምዓሾ
7.ሽሻይ መረሳ
8.ሩፋኤል ሽፋረ
9.ነጋ ኣሰፋ
10.ሰብለ ካሕሳይ
11. ዶ/ር ኣትንኩት መዝገቦ
12.ዶ/ር እያሱ አብርሃ
13. ዶ/ር ሓጎስ ጎዲፋይ
14.ረዳኢ ሓለፎም
15. ሃፍቱ ኪሮስ
16.ርስቁ አለማው
17.ጌታቸው አሰፋ ፦አይፍተሽን ኢሉ ዝተረፈ
0 notes
Text
ካብ ውድቀትካ ምምሃር ንቡር እዩ፤ ብውድቀትካ ምኹራዕ ግን ኣውራ ዕንቅፋት ቀፃላይ ዕብየትካ እዩ። ባዕለይ’ውን ዝጥቀመለን ከየዐንቅፋና ክነስተብህለን ዝግበኣ ስኽፍክፍ ዝብላኒ እምነታት።
1 - ሕድሪ ስውኣት ኣይነዕብርን። ሕድሪ ስዉኣት ኣይነዕብርን ክንብል ከለና ቀፃልነት ብዘለዎ መንገዲ ዝሐሸ ሰላም፣ ፍትሒ፣ ዲሞክራስን ቁጠባን ትግራይ ልህሉው ህዝቢ ምቕራብ ማለት ምዃኑ ተረዲኡ ክንደይ ሰብ ብኣበርክትኡ ተሓቢኑ ይጭርሕ።
2 - ትግራይ ረመፅን መቓብርን ፀላእታ እያ። ብሰንኪ ሕመቕና ባንክን ታንክን ኣረኪብና ብዘይ እኹል ምድላው ማእኸል ኲናት ትግራይ ምግባርና ክንመሃረሉ ዘለና ጌጋ ድዩ እንሕበሉ ፍፃመ? ኲናት ዝካየደሉ ዓዲ ተተሓሒዝካ ህልቂት ተዘይኮይኑ ብምንታይ ሒሳብ ልፀላእቲ ገሃነም ልህዝብኻ ገነት ክኸውን ይኽእል?
3 - መስመር እዩ ሓይልና። ሓይሊ ትግራይ ዘይስበር ስነልቦና ተጋሩ ድዩ ወይስ ማዕርነት ፓንዶራ ቦክስ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ? ከባቢና ምስ ዘለዉ ህዝብታት ብኣንፃር ረብሓና ፅቡቕ ርክብ ክህልወና ምስራሕ ፅቡቕ እዩ፤ ብዘዮም ህይወት የብልናን ማለት ግን ዓርሰ ምትሓት እዩ።
4 - ዕጥቂ ካብ ፀላእትና ስንቂ ካብ ህዝብና። ውሑድ ህዝቢ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ተዘይዓጢቑን ደጀኑ ምስ ለቐቐ ቀለብ እንድሕር ዘየብሉን ህዝባዊ ኲናት ክንደየናይ ዐዕናዋይ ምዃኑ ክንደይ ሰብ ተገንዚቡ ይጭርሕ።
5 - መንግስትና ወይ ሞት። መንግስቲ እንትጉብዝ ዝጉብዝ፣ መንግስቲ እንትፈርስ ዝፈርስ ህዝቢ ዶ ይሐሽ ወይስ መንግስታት ብዘይ ምቁርራፅ ብሉፅ ርእይ፣ ብሉፅ መሓውር፣ ብሉፅ ኣሰራርሓን ብሉፅ መሪሕነትን እናዓጠቑ ዘመናት ዝሻገር መንግስትነት?
6 - መትከልን መስዋእትን። ህዝቢ ትግራይ ክነብር ድዩ ክስዋእ ተፈጢሩ? ዘይቅየር መትከል፣ ረብሓ ህዝቢ እምበር ኩነታት እንትቕየር ዝቕየር መስመር ዘይምዃኑ ክንደይ ሰብ ይርዳእ? ክንዳና ዝተሰወአን ክንዳና ሕማቕ ናብራ ዝነብርን እንድሕር ዘየለ ብስም መትከል እንሕበነሉ መስዋእትና ክንመሃረሉ ዝግባእ መግለፂ ሕመቕና ኣይኮነን ድዩ?
7 - ብዙሓት ገጢምና ስዒርና። ትማሊ ምእንተ ትንሳኤኦም ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈልናሎም ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ከይተረፈ፣ መንግስታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ሶማልያ፣ ኣሜሪካ፣ ራሽያ፣ ቱርኪ፣ ዐዕራብ፣ ኢራን፣ ቻይናን ብዝተፈላለየ ብርኪ ዘሚቶምልና ኣብ ጥራሕ ኢድናን ከብድናን ምምካት ምኽኣልና ተኣምር ብዝኾኖ ልክዕ ስለምንታይ ኩሎም ኣንፃርና ተሰሊፎም ብዘይ ማሓዛ ተሪፍና ዝብል ሕቶ ግን ብብቕዓት ክንምልሶ ይግባእ።
8 - ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና። ዝሐሸ ዕጥቅን ���ንቅን ተዘይዓጢካ ቕልፅም ቑፅሪ ምዃኑ ክነስብህል ይግባእ። መድሕን ትግራይ ዝመስል ዉሑድ ሕዝቢ መወዳእታ ብዘየብሉ ብርኪ ዝባዛሕ ርእሲ እምበር ተቖፂሩ ዝውዳእ ቁፅሪ ሰብ ኣይኮነን።
9 - ፈጣሪ ይፈልጥ፤ መራሕቲ ይፈልጡ። ፈጣሪ ዝሃበና ርእሲ ምጥቃም ናትና ፀገም እምበር ናይ ፈጣሪ ይኹን ናይ መራሕቲ ፀገም ኣይኮነን። ምእንተ ናይ ሓባር ናብራና ንሕሰብ፣ ንምከር፣ ዘሰማመዐና ብሉፅ መወፃፅእ ሓሳብ ነተግብር።
10 - ልዑል ስብእና ኣለና ማለት ልዑል ፍልጠትን ክእለትን ኣለና ማለት ኣይኮነን። ምሩፅ ዘርኢ እኽሊ፣ ተኽሊ፣ እንስሳ ክተፍሪ ብእትገብሮ ፃዕሪ ልክዕ ምሩፅ ዘርኢ ሰብ ክተፍሪ ኣብ ምግብና፣ ጥዕናን ትምህርትን ተዘይሰሪኻ ልዑል ስብእና ጥራይ ልዑል ፍልጠትን ክእለትን ክኸውን ኣይክእልን።
11 - ኣይግዚኡን ክንብል እኹል ምድላዉ ዝሓቱ ኣዚዮም ጠቐምቲ ነገራት ብዘሕደርናዮም ቑፅሪ ናብ ብርኪ ህፁፅን ጠቐምትን ዛዕባታት ስለዝሰጋገሩ መትሐዚ መጨበጢ እናስአኑ ከቢድ ዋጋ የኽፍሉና ኣለው። ኣይጊዚኡን ማለት ዳርጋ ኣይንሕሰብ ማለት ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ።
12 - መነፅር ስልጣን። እትግልገለሉ ስልጣን መህረፊ እዩ፤ እተገልግለሉ ስልጣን ግን መሰከፊ እዩ። እትግልገለሉ ስልጣን ምልቃቕ ሞት እዩ፤ እተገልግለሉ ስልጣን ግን ካባኻ ንዝሐሸ ሓይሊ ምልቃቕ ትዕድልቲ እዩ።
13 - ልዕልና ሕጊ። ድሌየቱ እምነት ፖለቲካ ይሃልዮ ትግራዋይ እየ ኢሉ ዝኣምን ትግራዋይ ኩሉ ትግራዋይ እዩ። ወንጀል እንተሃልዩ ልዕልና ሕጊ ይንገስ። ሰብ ክነጥቅዕ ካብ ማሕበረሰብ ብዝንፅል ስብእና ዘዋርድ ዕስላዊ ፍርዲ ግን ኣዝዮም ጨካናት ምውላድ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ።
14 - ሓደነትን ሓድነትን። ኣስኳል ምሽጥር ጥንካረ እስራኤላውያን ሃይማኖታውን ዘርኣውን ሓደነቶም ናብ ናይ ረብሓ ሓድነት ምቕያር ምኽኣሎም እዩ። ሓደነትና ናብ ናይ ረብሓ ሓድነት ክነማዕብሎ ይግባእ።
15 - ሃይማኖትን መንግስትን። ሃይማኖትን መንግስትን ምፍልላዮም ልክዕ ኾይኑ ኣብ ህንፀት ስብእና ግን ተናቢቦም ክሰርሑ ኣለዎም። መንግስተ ሰማይ ዘእቱ ኣብ ምድሪ ተዘየሸሊሙን ኣብ ሰማይ ዘሕጢ ኣብ ምድሪ ተዘይኣቕፂዑን ነብሱን ስጉኡን ዝተፃልእዎ ሰብ ነባፅሕ ኣለና ማለት እዩ።
16 - ዘይልወጥ ነገር እንተሃለወ ለውጢ ጥራይ እዩ። ፖለቲካ ትግራይ ኣወንታዊ ለውጢ ከም ዘድልዮ ልምፍላጥ’ኮ ብዙሕ ምርምር ኣየድልዮን። ኣብ ዓለም ትሕቴና ዝነብር ህዝቢ ኣሎዶ? ኣወንታዊ ለውጢ ግድን እዩ።
17 - ትግራይ ትስዕር። ድሕሪ በሪኽ ስልጣነ ኣክሱም ልዕሊ ሓደ ሚሊንየም ብሰንኪ ሕመቕና ኲናት፣ ስደት፣ ጥምየትን ደርቅን ተፈሊዩና ኣይፈልጥን። ትግራይ መሊኣ ትስዕር ድሕሪ ኲናት መናብርትና ናብ ዝነበረ ዝተላመድናዮ ሕሱም ድኽነት ምምላስ ዘይኮነስ መመሊሱ ዝደቑሳ ዘሎ ዘቤታዊ ሕመቕና ብዘላቕነት ክነዐርዮ እንተኺኢልና ጥራይ እዩ።
ውድቀትና እንተተማሂርናሉ ትንሳኤ ትግራይ ሐዚ እዩ።
0 notes
Text
ብልፅግና ኦሮሞን ህወሓትን፡
ዕድል እንትርከብ ሕፍስ ኣቢልካ ምጥቃም ናይ ለባማት እዩ።
⓵ መራሕቲ ኦሮሞ ዳርጋ ብዘይመስዋእቲ "በትረ-ስልጣን" ዓትዒቶም። ሕዚ እዛ ዕድል effectively ይጥቀሙላ ኣለዉ።
➛ ብቐዳምነት ዘዐንቅፉዎም ኣምሓሩ ኣብ ኣዲስኣበባ native inhabitant እንተይኮነስ ስምዒት መፃእተኛ (outsider) ንኽወሮምን ብኡ ልክዕ ክነብሩን (ንኽሽቑረሩ) ጌሮሙዎም ኣለዉ።
➛ህዝቢታት ደቡብ ኢትዮጵያ "ዘላቒ ዘዋፅኦ ምስ ኦሮሞ ምፅጋዕ" ምዃኑ ንኽሓስቡ ተጌሮም ኣለዉ። "የምማረው ኣማራ ለመሆን ነው" ትብል ዝነበረት ኩላ እንዳጠፍአት እያ።
➛ኣያታትና ዝሰርሑዎም (ዝሃነፁዎም) ዝበሃሉ ቀወምቲ ሓድግታት (oromo legacies) ይሃንፁ ኣለዉ።
➛እቲ ዕድል ኦሮሚያ ብኢኮኖሚያዊ፡ ቋንቋ፡ ባህላውን ፖለቲካዊን ንክትዕምብብ (to flourish) ብደንቢ ይጥቀሙሉ ኣለዉ። ሎሚ ንኣከባብራ በዓል ኢሬቻ ዘይተገንዘበ ኣይለባምን። ኩላ "ናይ ሴጣውንቲ" ትብል ዝነበረት "ናይ ምስጋና እዩ" ትብል ኣላ።
➛ነዚን ወዲዚን ንምስኻዕ ብዘይሰኸፈት ይንቀሳቐሱ፡ ምስዘየዋፅኦምን ዕድመ-ስልጣኖም ዘሕፅረሎምን ሓያላት ዓዲታት ዘላትም ኣይገብሩን። Yes to privatization, Yes to liberalization, Yes to currency devaluation, Yes to debt, economic + political recommendations ...& so on.
➛እቲ ዝተረኸበ ዕድል ሰቦም ንኽመሃረሉን ንኽህፍትመሉን ይጥቀሙሉ። ብፍላይ ትምህርቲ ብዝምልከት ፀኒሖም እዮም። ኣብ ግዜ ኢህወዴግ ናይ ኣባዱላ ገመዳ ቀንዲ ስራሕ መናእሰይ ኦሮሞ ኣብ ሃገራት ኣውሮፓ፡ ኣሜሪካ፡ ካናዳን ኣውስትራሊያን ንኽመሃሩ ዕድል ምምችቻው ኔሩ።
.
.
.
⓶ መራሕቲ ህወሓት
ህዝቢ ትግራይ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ፡ ፍርቁ ፀርዩ፡ ንመንግስቲ ደርጊ ገልቢጡ።
ድሕሪ ውድቀት ኢህወዴግ
➛መጀመሪያ ዝሰርሑዎ ካብ ደደቢት ጀሚሩ ናብ ቤተ-መንግስቲ ዘአተዎም ተጋዳላይ ትግራይ ምብታን እዩ።
➛ዓበይቲ ዓዲ ትግራይ "ብዛዕባ ኤርትራ ከይትጋገዩ" እንትብሉ ኤርትራውያን ኳ ክንድኡ ዘይተገደሱሉ ቀንዲ ዝተዋስኡሉ "ንሕማም ደሓር" ዝኾነ ምግንፃል ኤርትራ እዩ።
➛ቁራስን ብኹሉ ሸነኽ ንሓደጋ ተቓላዒት ዕፅውቲ ካርታ ትግራይ ሒዝካ ዓበይቲ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምን ��ፍጣር እዩ።
➛ፖለታካዊ ዓቕሚ ትግራይ ለሚሱ ኣብ ዋግኡ ፖለቲካ ኣሃዳውያን ክግብል ��ግባር እዩ።
➛ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ ናብ ሰፈር ጠበቕ ቀይርካ ንተደጋጋሚ ግዜ ዘጥፈአና ቤተ-መንግስቲ ሚኒሊክ ምግባል እዩ።
➛"ሓደ ፖለቲኮ-ኢኮኖሚ ማሕበረሰብ ምፍጣር" ብዝብል ኣምር ትግራዋይ ቋንቁኡን ፀጋታቱን ንዒቑ ብፍቓጁ ኣምሓርኛ ተናጋሪ ምግባር እዩ።
➛ብሰንኪ ሕማቕ ምሕደራ ተጋሩ ሰብ ሃፍቲን ምሁራትን ትግራይ ገዲፎም ናብ ኣዲስ ኣበባን ከልኦትን ክፈልሱ ምግባር እዩ።
➛ኣብ ትግራይ ሽግ ወያነ ምዕባለን ዘመናዊትን ትግራይ ተረካባይ ሓዱሽ ወለዶ ምህናፅ እንተይኮነስ መፃኢ ኩነታት ተረዲኡ ሓደጋ ከቕሪ ዘይኽእል ሌባን ልሙስን ካድረ ምስብሳብ እዩ።
➛"ናብ ስሑት መንገዲ ኣቲና" ዝብል ንምኽሪ ግዱሳት ተጋሩ ኣነኣኢስካን ሸለል ኢልካን "በዕድገት ጎደና ላይ" ንዝብል ምኽሪ ምፍፃም እዩ።
➛ናይ ጎልጎል ራያ፡ ሳርት፡ MIT፡ ዓይደር ሆስፒታል፡ ሸኸት-ኣፍዴራ .... እንታይ ክፅወየሉ።
:
➛ዘርዚርካ ዘይውዳእ "መንገዲ ውድቀት" እዮም ተኸቲሎም።
👉 በቲ ቁልቁለት መንገዲ ከዓ ህዝቢ ትግራይ መሊሱ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ ኣሎ። መጀመሪያ ክግበር ዝግበኦ ስለዘይገበረ ከዓ እቲ ዳግማይ ከቢድ መስዋእቲ ሃገር ኣየኽሰቦ፡ ስርዓታ ኣይገልበጠሉ፡ ንበደሉ ተሓታትነትን ካሕሳን ኣይረኸበሉ።
➛መን ሒዙ ክረክብ !!
እሞማ ኦሮሞቶት ብዘይሰኸፈት ንረብሐኦም ምጉያዮም ትኽክል እዮም። ኣበጀዉ።
👉ዝተረኸበ ዕድል ንኽተባኽን ኣይተፈጠርካን። ከቢድ ዋጋ ከፊልካ ንትርኸቦ ዕድል ምብኻንማ ዳርጋ ባምቡላ ኢኻ!
0 notes
Text
ዝድነቅ ውሳነ መንበረ ሰላማ!
***********************
ቀደም ጥንኩር ልኾነ Nation - state ንምምስራት ሃይማኖት ዕዙዝ ግደ እዩ ነይሩዎ።
ንኣብነት ኣይሁድ ንባዕሎም "The chosen people ኢና" ኢሎም እዮም ዝኣምኑ። በዚ ምኽንያት ከዓ ከም ሓደ ስድራ ይሓስቡ፣ ከም ሓደ ይስፋሕፍሑ፣ ፀላኢ ክመፅእ ተሎ ኸዓ "ፈጣሪ ኣብ ጎንና ኮይኑ ይዋጋእ'ሎ" ኢሎም ብምእማን ንዓዶምን ንእምነቶምን ብሓቦ ይቃለሱ ነይሮም። Old testament ካብ ሀ ክሳብ ፐ ናይ ኣይሁዳውያን ገድሊ እዩ።
ድሕሪ ብዙሕ ግዘን መስዋእትን ዋላ ተኾነ ሐዚ ዘመናዊትን ሓያልን እስራኤል ፈጢሮም ኣለው።
ክ��ስትና ኸዓ ንሮማውያን ሰፊሕ ናይ ርሕቀት ኣፈላላይ፣ ናይ ባህልን ኣነባብራን ኣፈላላይ ዘለዎም ህዝብታት ብሰማይ ኣብ ትሕቲ ሓደ ኣምላኽ፣ ብመሬት ከዓ ኣብ ሓደ ኢምፓየር ክሕቆፉ ብምግባር ሰፊሕ ግዝኣት ክፈጥሩን ብሰላም ከመሓድሩን ሓጊዙዎም እዩ።
ስለዚ ዘይሩ ዘይሩ ሃይማኖት ኣብ ሓፋሽ common interest ፈጢርካ ሃገረ ብሄር ትፈጥረሉ መሳርሒ እዩ ነይሩ። ነዚ ተረዲኦም እዮም ድማ ኣምሓሩ ነዚ መንግስታዊ ሃይማኖት ብምቁፅፃር፣ ናይ ባዕሎም ፃድቃናትን ሰማእታትን ፈጢሮም ኣብ ስርዓት ሃይማኖት ክወሃዱ ብምግባር ብስም ሃይማኖት ኣምሓረይቲ ትመስልን እሶም ዝገዝኡዋን ኣሃዳዊት ኢትዮጵያ ክሰርሑ ዝፍትኑ ነበሩ።
ሐዚ መንበረ ሰላማ ንስውኣትና "ሰማእታት ሃገረ እግዝኣብሔር እዮም" ምባላ ክድነቅ ዝግበኦ ውሳነ እዩ። ናይ ግብፂ፣ ሶርያን ኣምሓራን መፃወቲ ምዃን ገዲፋ ኣብ ትግራይ ትኩረት ምግባር ጀሚራ ኣላ ማለት እዩ። ኣሕዋትና ምእንተ ህዝቦምን ምእንተ ዓዶምን ክብሉ እዮም ሓሊፎም። ነዚኦም ሰማእትነት ዘይተውሃበ ንመን ይወሃብ። ንዓና ፃድቃናት እዮም፤ መላእኽቲ እዮም።
እስራኤላዊ፣ ሮማዊ፣ ሶርያዊ ምውት ንዓና ኣይምልከተናን። ኣብ ዓዶም፣ ንዓዶም እዮም ሞይቶም።
ናይ ባዕልና ሰማእታት ነኽብር!
ዘልኣለማዊ ኽብሪ ንስውኣትና!
In politics, nationalism is the ultimate objective. It is the end. ቅድሚኡ ንገብሮ ዝኾነ ይኹን ነገር serves as a means.
ብMärÿamaŵit Tsigabu ዝተፅሓፈ
0 notes
Text
ግዛእ፡
⓵ ኣድኪኻ፡ ኣጥሚኻን ከምዘይነቅሕ ጌርካን ግዛእ፡ ከም "ደርሆ ኩልኩል ኢልካዮ ዝመፅእ፡ ኩት ኢልካዮ ዝኸይድ" ጌርካ ግዛእ።
⓶ ንኡሽተይ ዓቕሚ ፈጢሩ ብዓርሰ-እምነት ኢንቨስት ክገብር ዝኽእል ዜጋ እንተኾይኑ ከዓ "መስርሕ" ግበረሉ። መስርሕ ንሰለጤን እንተይኮነስ "ሰን ሰን፡ ላሕ፡ ኣላሽ መበሊ መስርሕ"።
⓷ ንቕሕ ዝበለ፡ ብምኽንያት ድሑር መሪሕነት ዝሓረቐ፡ ክብድህ (revolt ክገብር) ዝኽእል ሓዱሽ ወለዶ እንተተፈጢሩ ከዓ ብናብራ ደካማ ጎኑ እተዎ። ብውሽጡ መኽሰባይ እዩ ኢሉ ዝሓስቦም ከምኒ "ማሕበር ሲሚንቶ" ዝመሰሉ ሓበሬታ ወዚዕኻ ናብ #መልመሳይ ቢሮታትካ ከምዝውሕጅ ግበሮ። ደሓር ናይ "ዓለም ድሑር ኣሰራርሓ" ዘርገሐሉሞ ብፀሓይን ንፋስን ባህ���ኑ ዋጋ ዘይብሉ ዘየስግእን ግዙእ ክኾን እዩ፡ ህዝባዊ ይኹኑ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዘይጉዳዩ ክኾኑ እዮም።
⓸ ተማሂሩ፡ ንነዊሕ ዓመታት ፍልጠት ቀሲሙ፡- ስለህዝቢ ዝጣበቕ፡ ስርቂን ድሕረትን ዘቃልዕ፡ ንገበናት ተሓታትነት ክመፅእ ዝንቀሳቐስ፡ ጉጅላዊ ምዝበራታትን ዓመፃን ዘቃልዕ... ንዝድርበየሉ ፍርፋሪታት ህሊናኡ ዘይሸጥን ንስርዓታዊ መግዛእቲ ፈተናን ክኸውን ዝኽእል እንተኾይኑ....እንተኾይኑ ከዓ - ናብራኡ ኣፅልምተሉ፡ disgusting, irrelevant & unhelpful (not conducive) working environment ኣተኣታትወሉሞ #ብን ኢሉ ዓዲ ክሓድገልካ እዩ። እንተንኣሰ ወይ ግዱድ ግዙእ ወይ ብኣእምሮኡ ዝተሰደደ ክኾን እዩ።
:
ግዛእ!
0 notes
Text
ናይ ባዕልትና ጭካነ ይገድድ!
አብቲ እዋን ፅንተታዊ ኩናት ጭካነ ወረርቲ ሪአ ምስዚአምስ ደጊም ከመይ ጌርካ ክንበር ኢለ ይሓስብ ነይረ።
ነገር ግና፤
-ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ብመራሕቲ ይዕመፃ ምንባረን፣
-ሕቶ ዘልዓሉ ተጋደልቲ ብመራሕቲ ደሃየም ይስወር ምንባሩ፣
-መራሕቲና ንህዝቢ ዝመፀ ረድኤት ንቶም ፅንተት ዝፈፀሙልና ወረርቲ ሓይልታት መሊሶም ምሻጦም፣
-መራሕቲና ትግራይ ከምኒ መስፍን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ትካላት ብምትካል ብኢንዳስትሪ እግሪ ክትተክለሉ ዝነበረት ብቢልዮናት ቅርሺ ዝግመት ሓፂነ መፂን ንቶም ፅንተት ዝፈፀሙልና ወረርቲ ሓይልታት መሊሶም ምሻጦም፣
-ንጉዱኣት ተጋደልቲ ዝመፀ ሽኮር፣ሕሩጭ፣ዘይቲ ወዘተ እንትስረቅ፣
-ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ግዕዝይናን ስርቅን ቅድሚ ኩናት ዘሎ ክምርመር የብሉን ኢሎም መራሕቲና እንትከራከሩ እንትርኢ፣
-ሰላማውያን ተጋሩ ብቀትሪ ኣብ ፅርጊያ ብመኪና ተጨፈሊቆም ፍትሒ እንትስእኑ፣ብጭዋድኦም ዘሕበጡ ፅገበኛታት እንትቅጠቀጡ፣
-በቢቁሸቱ ዘለው ካድረታት መራሕቲ ንሰላማዊ ህዝቢ ብበትሪ እንትቅጥቅጡ፣
-ኣብ ልዕሊ ህዝቢና ዝተፈፀመ ዘርኣዊ ፅንተት ብሽሙ ንከይፅዋዕን ፍትሒ ንከይረጋገፅን ልዕሊ ኩሉ መራሕቲና ምቅላሶም፣
-ብሚልዮናት ዝቁፀር ህዝቢና ካብ መረበቱ ተፈናቂሉ ክረምቲ ሙሉእ ብዝናብ፣ቁሪን ጥምየትን እናተሳቀየ እናረኣዩዎ ምሕላፉ፣
-ምእንተ ህለውና ትግራይ ኢሉ ዝተቃለሰ ኣካል ጉዱእ ተጋዳላይ "ጠምየ" ኢሉ ስለዝተሰለፈ ኣብ ልዕሊኡ መንብዒ ጥይት ምትኳሱ፣
-ንነፃነት ረዚን ዋጋ ዝከፈለ ህዝቢ ሰላማዊ ሰልፊ ብምግባሩ ጥራሕ ተቀጥቂጡ ምእሳሩ፣
-መራሕቲና ብዝፈፀሙዎ ስርቂ ረድኤት ብምቁራፁ ክሳብ ሎሚ ሞት አሽሓት ምቅፃሉ፣
-ንህዝቢና ብረድኤት ዝመፅአ መድሓኒት ብመራሕቲ ብምዝማቱ ብቀሊሉ ክሓውዩ ዝነበሩ ዝቆሰሉ ተጋደልቲ ንካንሰር ይቃልዑ፤ኣካሎም ይቁረፅ ምህላው፣
-ኣብ ልዕሊ ጥምየቱ ህዝቢና ንሓደ ውድብ መጠናከሪ እናተብሃለ ተገዲዱ ገንዘብን እክሊን ይምንጠል ምህላው፣
-ከም ማሕበረሰብ ድማ ብዓብዩ ሕብረተና ኣብ እዋን ኩናት ምኳኑ፤ ኣብ እዋን ሰላም ሰሳትና ስኒት ምስኣንና፤
-መርድእን መቃብርን ጀጋኑ መሸቀጢ ምኳኑ፣
..................ከም ባዕልትና ኣብ ልዕሌና ዝፈፀምናዮ ጭካነ ተገይሩ ክውሰድ ዝክእል ዘሕዝንን ዘሕፍርን ጭቡጥ ኩነታት እዩ።
እዚን ወዲዚን ክዕዘብ ከለኩ እቲ ናትና ጭካነ እውን ካብ ናይ ፀላእቲና ዘይንእስ ምኳኑ ጥራሕ ዘይኮነስ እዚ ሕመቅና ብፀላእቲና ኣብ ልዕሌና ንዝተፈፀመ ጭካነ ጥጡሕ ባይታ ከም ዝፈጠረ ይግንዘብ። እዞም ሕመቃትና መበገሲኦም ድማ ከም ማሕበረሰብ ዘለና ድሑር ኣመለካክታ ዝወለዶም እዩ ኢለ ይሓስብ። ከም ማሕበረሰብ ስለዝሓመቅና ሕማቃት መራሕቲን ሕማቅ ስርዓትን ወኒንና። ሐዚ እውን መፍትሒኡ ነዚ ሕመቅካ ተቀቢልካ ንማሕበረሰባዊ ናይ ኣመለካክታ ለውጢ ንምምፃእ ብድፍረት ምንቅስቃስ እዩ።
PS:- ንሕና እኳ ዝተጨካከንና ፀላእትና እማ ከመይ ዘይጭክኑልና! እቲ ዘይንቡር ተግባር ናተና እምበር ናይ'ቶም ፀላእቲ ኣይኮነን።
0 notes
Text
ፋሽሽታውያን መራሕቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንህዝቢ ንምቁጽጻር ዝተፈላለየ ሜላታት ይጥቀሙ። ገለ ውሑዳት ልሙዳት ሜላታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፤
1. ፕሮፖጋንዳ፡- ንህዝባዊ ርእይቶንሓሳብን ንምዕፋን፡ ንሓበሬታ ንምቁጽጻርን እምነት ሰባት ንምትላልን ፕሮፖጋንዳ ይጥቀሙ። እዚ ድማ ናይ ሓሶት ትረኻታት ምዝርጋሕ፡ ምፍርራሕ ምግናንን ስነ-ሓሳቦም ምድንፋዕን ከጠቓልል ይኽእል።
2. ምቁጽጻር ሚድያ:- ፋሽሽታውያን መራሕቲ ንማዕከናት ዜና ይድርት ወይ ይቆጻጸር፡ ንናጻ ምዝራብ ይድርትዎን ተቓወምቲ ድምጽታት ይዓብጡን። ንነብሶም ብኣወንታዊ መንገዲ ንምስኣልን ንተቓወምቲ ስቕ ንምባልን ንሽፋን ዜና ክቆጻጸሩ ይኽእሉ እዮም።
3. ኣምልኾ ስብእና፡- ኣብ ከባቢኦም ሓያል ኣምልኾ ዝመስል ምክትታል የማዕብሉ፡ ከም ካሪዝማቲክን ዘይጋገን መራሒ ምስሎም የስፋሕፍሑ። እዚ ድማ ንኣምልኾ ስብእናታት፡ ጃምላዊ ሰልፍታትን ምኽባር ዓወታት መራሒን ከጠቓልል ይኽእል።
4. ምዕፋን ተቓውሞ፦ ፍሽሽታውያን መራሕቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንፖለቲካዊ ተቓውሞ ብኸም ማእሰርቲ፣ ምፍርራሕ፣ ወይ እውን ዓመጽ ዝኣመሰሉ ሜላታት ይዓብጥዎ ወይ የወግድዎ። ንዲሞክራስያዊ ትካላት ኣዳኺሞም ስልጣን ኣብ ኢዶም የጠናኽሩ።
5. ሃገራውነት ዘረባ፡- ሃገራዊ ስምዒታት መዝሚዞም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንውሑዳት ጉጅለታት ወይ ናይ ደገ ጸላእቲ መስዋእቲ ብምግባር ደገፍ ብምእካብን ኣብ መንጎ ህዝቢ ናይ ሓድነት ስምዒት ይፈጥሩን። ፋሽሽትነት ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ዝተፈላለየን ስነ-ሓሳብ ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ፣ መራሕቲ ፋሽሽት ዝጥቀሙሉ ሜላታት ድማ ከከም ፍሉይ ኵነታትን ታሪኻዊ እዋንን ክፈላለ ይኽእል እዩ።
0 notes
Text
ንውሽጣዊ ሰላም ኣወንታዊ ምርግጋጽ :-
~ብዛዕባ ኩሉ ምጭናቕ ከቋርጽ እየ
~ ጥዑይ ናብራ ክነብር እየ
~ ብዛዕባ ዝሓለፈ ፍጻመታት ምሕሳብ ከቋርጽ እየ
~ ንነብሰይን ንኻልኦትን ይቕረ ክብሎም እየ
~ ምስ ነብሰይ ዝያዳ ርጉእ ይኸውን ኣለኹ
~ ምስ ነብሰይ ዝያዳ ብቕንዕና ክዛረብ እየ
~ ኣነ ዝፈትዎ ክገብር እየ
~ ነገራት ብለዋህ ኣቀራርባ ክወስዶም እየ
~ ንኹሉ ምቁጽጻር ከምዘድሊ ክስምዓኒ ከቋርጽ እየ
~ ህይወት ባዕላ ክትጻወት ክገድፋ እየ
0 notes
Text
"ኣብ ሂወትካ ለውጢ ንኽተምፅእ መጀመርያ ተምሃር ብምንቕቓሕ ጥራሕ ዝመፅ ለውጢ የለን" @Jim Rohn
~ትምህርትን ሓበሬታን ኣገደስቲ ባእታታት ስለዝኾኑ ሸለል ኣይትበሎም:: ትምህርቲ ምንጪ ሃፍቲን ጥዕናን ከምኡ እውን ምንጪ ናፅነት እዩ::ኩሎም ክብርታትን ደግነታትን ብመስርሕ ትምህርቲ እዯም ዝሓልፉ:: ስለዚ ንትምሃረሉን ትምርሓሉን ትምህርቲ ሸለል ኣይትበል:: ገንዘብ ሊቅ ኣይገብረካን እዩ:: ግብራውን ክልስ ሓሳባውን ትምህርቲ ጥራይ እዩ ም���ቡል:ሕጉስን ሃፍታምን ዝገብረካ:: ስለዚ ኣብዚ መዳይ እዚ መሰረታዊ ቴማኻ "ትምህርቲ ሸለል ክብል የብለይን ዝብል ክኸውን ኣለዎ":: መጀመርያ ፅቡቕ ተምሃር ትምህርትኻ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ:ዝሓሸ ሂወት እውን ክትመርሕ ኢኻ:: ኣብ ምምሃር ኣይትተሃከ :ጥበብ ቁጠባ:ኣፍራይነትን ቅዲ መነባብሮን ተግብር:: ዓወት ብቑፅራዊ ኣምር ዝግለፅ እዩ:: ዘጋጥሙኻ ማሕለኻታት ክትብደሀሙን ንዘጋጠሙኻ ዕድላት ክትጥቀመሎም እንተኾይንካ ክትመሃር እዩ ዘለካ::
ትምህርቲ ዝፈቱ ወለዶ ንፍጠር ::
0 notes
Text
ሰለስተ ሸነኻት ንቕሓት :-
1.ንቕሓት ወይ ስነ-ኣካላዊ ምልዕዓል
2.ንቕሓተ-ሕሊና ወይ ድማ ሓሳባት፡ ስምዒታትን ርድኢታትን ሓዊሱ ሕልናዊ ኣእምሮኣዊ ተመኩሮታት ናይ ምህላው ክእለት።
3.ህዋሳዊ ውዳበ፡ ወይ ድማ ዝተፈላለዩ ርድኢታትን ዝያዳ ርጡባት ኣምርን ብኸመይ ተሰፊዮም ስሉጥ ሕልናዊ ተመክሮ ይፈጥሩ።
0 notes
Text
ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክነምፅእ እንታይ ክንገብር ኣለና?
ኣሜሪካዊ ጂምሮህን ውሩይ ፀሓፍን ኣነቓቓሕቲ ሓሳባትን እዩ:: ንሱ ኣተሓሳስባና ከመይ ገይሩ ንሂወትና ከም ዝፀልዎን ንኣእምሮና ኣሉታዊ ኣተሓሳስባና ካብ ምእንጋድ ከመይ ጌርና ከም እንከላኸልን ይምህረና:: ምዕቡልን ፅፉፍን ኣተሓሳስባ ምእንታን ክህልወና ቀፃሊ ፃዕሪ ክነካይድ ከም ዘለና እዩ ዝምዕደና:: ምኽንያቱ ይብል ንሱ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለና ፍልስፍና ንዝስዕባ ገለ ዓመታት ሂወትና እንታይ ክመስል ከም ዝኽእል ኣብ ዝውስኑ ዓበይቲ ረቋሒታት ሓደን ቀንድን እዩ:: ቐፂልና እምበኣር ኣሉታዊ ኣተሓሳስባና ከመይ ገይርና ከም እነወግድን ንሂወትና ኣገዳሲ ዝኾነ ውርዙይ ኣተሓሳስባ ከመይ ገይርና ከም እነማዕብልን ክንርኢ ኢና:-
ዝነደየ ኣተሓሳስባ እንተደኣ ሃልዩና ነዳያት ኢና ንኸውን:: ብዙሓት ሰባት ኣዕሚቖም ከይሓሰቡ ኣብ ስርሖም ንጥፈታት የካይዱ:: ኣእምሮና ከም ፋብሪካ እዩ:: ሙሉእ መዓልቲ ብኣእምሮና ክንሓስብ ዝወዓልና ናብዚ ፋብሪካ ከም ጥረ ነገርን መቃመምትን ኮይኑ ይኣቱ ማሕበራውን ቁጠባውን ሂወት ይህነፅ:: ፅቡቕ ሂወት ክትሃንፅ እንተደሊኻ ነቶም ናብ ኣእምሮኻ እተእትዎም ቅመማት ሕረ ብዕምቆት ሕሰብን:: ኩሉ ነገር ብሓሳብ እዩ ዝጅምር ስለዚ ብዛዕባ እንታይ ትሓስብ ከም ዘለኻ ኣፀቢቕካ ፍለጥን ኣስተብህልን ምኽንያቱ በቲ እትሓስቦ ዘለኻ ኢኻ ትጅምር:: መዓልታዊ ኣብ ልዳት ኣእምሮኻ ከም ዋርድያ ኾይንካ ደው በል : ከምዚ እንተገይርካ ናብ ፋብሪካ ኣእምሮኻ እንታይ ክተእቱን ክትክልክልን ንኽትውስን ከኽእለካ እዩ:: ዝኾነ ሰብ ባህ ዝበሎ ነገር ኣብ ኣእምሮኻ ከራግፍ ኣይተፍቅድ ምኽንያቱ በዚ ኣገባብ ናብ ፋብሪካ ኣእምሮኻ ዝኣተወ ነገር መስርሑ ምስ ወደአ ብእዚ ዝስዕብ ውፅኢት እዩ ሂወትካ ዝቕየድ:: ዘለካ ፍልስፍና ብዘኻዕበትካዯ ፍልጠት እዩ ዝውሰን:: ፍልስፍና ብ 3ተ ደረጃታት ክንሪኦ ንኽእል ኢና:-
1. መባእታን መጀመርያን ፍልስፍና:- ንኣብነት ንሓደ ህፃን ፍልስፍና ከም ቁሪ;ሙቐት;ሕማቕ; ፅቡቕ; ጥምየት ምግቢ ደስ ዝብል ወዘተ... እቲ ህፃን ነዞም ዝተጠቐሱ ከስተማቕሮም ዝኽእል ፍልጠታት ግብረ-መልሲ ምሃብ ይጅምር:: ካብ ህፃንነትና ጀሚርና ኢና እምበኣር በዚ መልክዕ ሓበሬታታት ንእክብን ግብረ-መልሲ ብምሃብ ፍልስፍናና ነማዕብልን::
2. ስፍሕ ዝበለ ፍልስፍና :- እዚ ፍልስፍና ስራሕ ክንረኽበሉ ኣብ ሓፈሻዊ ዓለማዊ ሂወት ከዋሰአናን ንማሕበረሰብ እጃምና ክነበርክትን ዘኽእለና ፍልስፍና እዩ::
3. ዝማዕበለ ፍልስፍና:- እዚ ፍልስፍና ሃፍታም ንኽንከውን ዓብዪ ስልጣን ንክህልወናን ፀለውቲ ፍሉያትን ዝተራቐቕናን ንኽንከውን ዘኽእለና ፍልስፍና እዩ:: ከምዚ ዓይነት ፍልስፍና ንኽህልወና ብዙሓት መፃሕፍቲ ክነንብብ ;ተወሳኺ ትምህርቲ ክንመሃር ;ዝያዳ መፅናዕትታት ክነካይድ ;ሓደሽቲ ሓሳባት ክነመንጩ ;ኣብ እንካን ሃባን ዝተመርኮሰ ክተዓትን ዘተታትን ክነካይድ ኣለና::
በዚ ኣብ ላዕሊ ደረጃታት ዝተሃንፀ ፍልስፍና ንድሕሪት ኣይምለስን እዩ:: ብኸምዚ መንገዲ ዝመፀ ሃፍቲ ሕጉስ ሂወት ስልጣንን ፅልዋን ቀፃልነት ኣለዎ::
ፍልስፍናና ካብዞም ዝስዕቡ ክምንጩ ይኽእል:-
1. ካብ ስሩዕ ትምህርቲ
2. ፅልዋ ካልኦት ሰባት
3. ካብ እንወስዶም ሓፀርቲ ኮርስታት
4. ካብ እነንብቦም መፃሕፍቲ
ካብዞም ዝተጠቐሱ ምንጭታት ፍልስፍና ብፅልዋ ሰባት ዝርከብ ፍልስፍና እቲ ዝዓበየ እዩ:: ስለዚ ብመን ንፅሎ ከም ዘለና ምፍላጥ ከድልየና እዩ:: ፀለውትና መነ መን ከም ዝኾኑ ንምግንዛብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ንነብስና ንሕተት :-
1. ኣብ ከባብየይ ብዓል መን እዯም ዘለዉ
2. ናበይ እዯም ዝመርሑኒ ዘለዉ
3. እንታይ ዓይነት ፅሑፍ ከንብብ እዯም ዝድርኹኒ ዘለዉ
4. እንታይ ኢለ ክሓስብን ክዛረብን እዯም ዝደልዩኒ ዘለዉ
5. ልዕሉ ኹሉ ድማ እንታይ ክኸውን እዯም ዝደልዩኒ ዘለዉ
ፅልዋ ሰባት እምበኣር ከመይ ከም እንሓስብ; ከመይ ከም እንዛረብ; ሓሳባት ከመይ ከም እንርስዕ ; ሓሳባት ከመይ ከም እንሰርዕ ንነገራት ከመይ ከም እነማእዝን ዓብዪ እጃም እዩ ዘለዎ::
0 notes
Text
"I love to be alone. I never found the companion that was so companionable as solitude."
"በይነይ ምዃን ኣዝየ እየ ዝፈቱ። ከም ብሕትውና ዝኣመሰለ ብጻይ ረኺበዮ ኣይፈልጥን።"
~ Henry David Thoreau
በይንኻ ምዃን ክትላመድ ኣለካ ስለ ምንታይሲ:-
-ኩሉ ነገር ኣብ ብዓርስኻ ክትተኣማመን ይገብረካ
-ትሓስብ ትመራመር
-ንኽተንብብ ግዜ ይህልወካ
-ደቂ ሰባት ኣይተቕይምን ኣይትብድልን
-ሕጉስ ሂወት ተሕልፍ
- መፅሐፍ ንምንባብ
-ንልተረጋገአ ስምእና Meditate ንምግባር
-ዐርስኻ ንምዕባይ ልምድታትኻ ንምቅያር
-ንself-awareness ይጠቅም
-mental and emotional development
-ንdecision making ability
-ዐርስኻ ንምፍላጥ
-ኻብ ዐለም ናይ drama ህይወት ንምፍላይ
0 notes
Text
ንርእሰ-ዋጋ ውልቃዊ ዶባት
1. ጌጋታት ሰብ ይገብረካ
2. ናይ ካልኦት ሰባት ርእይቶ ሓቂ ኣይኮነን።
3. ብቑዕ ኢኻ።
4. ናይ ማንም ፍቓድ ኣየድልየካን እዩ።
5. ንሰባት እንተ ኣሸጊርካ ጽቡቕ እዩ።
6. ፍሹል ኣይኮንካን።
7. ንነብስኻ ደው ክትብል ትኽእል ኢኻ።
8. ንስኻ ናትካ ኢኻ።
9. ሰባት ክፈትዉኻ ግድን ኣይኮነን።
10. ካብ ሓላዪ ንላዕሊ ኢኻ።
11. ክትወድቕ ትኽእል ኢኻ ግን ምንም ኣይኮነን የጋጥም እዩ::
12. ንኽትነብር ተቐባልነት ኣየድልየካን እዩ።
13. ብተግባራት ካልኦት ሰባት ተሓታቲ ኣይኮንካን።
0 notes
Text
ናይ ይቕረ ምባል (forgiveness) ቅድመ ኩነት ከከም ኩነታትን ውልቃዊ እምነትን ክፈላለ ይኽእል። ይኹን እምበር፡ ገለ ልሙዳት ቅድመ-ኩነታት ክህልው ግድን እዩ::ንኣብነት:-
~ነቲ በደል ኣፍልጦ ምሃብ
~ካብቲ ገበን ዝፈጸመ ሰብ ሓቀኛ ጣዕሳ
~ካብ ልቢ ይቕሬታ ምሕታት
~ንምእራም ድልውነት
~ከምኡውን ባህርያት ንምቕያር ���ል ምእታው ይርከብዎም።
~እቲ ዝተጎድአ ሰብ ንይቕሬታ ክፉት ክኸውንን ቂምታ ገዲፉ ንቕድሚት ክስጉም ድሉው ክኸውንን እውን ኣገዳሲ እዩ።
0 notes
Text
ንግዳያት ምጽናት ዓሌት ፍትሒ ንምድላይ ዝግበር ምድላይ ዝተፈላለየ መልክዕ ክሕዝ ይኽእል እዩ። ግዳያት ፍትሒ ክደልዩሉ ዝኽእሉ ውሑዳት መንገድታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፤
1. ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን፦ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመስረታ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ከም ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ንዩጎዝላቭያ ነበር (ICTY)ን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታትን (ICC) ብቕትለት ዓሌት ተሓተትቲ ዝኾኑ ውልቀሰባት ክኸሱ ይኽእሉ። እዘን ኣብያተ ፍርዲ እዚኣተን ንገበነኛታት ተሓተትቲ ንምግባርን ንግዳያት ፍትሒ ንምሃብን ዝዓለማ እየን።
2. ሃገራዊ ኣብያተ ፍርዲ፡- ጃምላዊ ቅትለት ኣብ ሃገራዊ ኣብያተ ፍርዲ፡ ወይ ኣብታ ገበናት ዝተፈጸመላ ሃገር ወይ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣድማሳዊ ስልጣን ብምጥቃም ክኽሰስ ይኽእል። እዚ ድማ ኣህዛብ ንገበነኛታት ዜግነቶም ወይ እቲ ገበናት ኣበይ ከም ዝተፈጸመ ብዘየገድስ ክኽሰሱ የኽእሎም።
3. ኮሚሽን ሓቅን ዕርቅን፦ ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ምጽናት ዓሌት ሓዊሱ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምጽራይን ንምስናድን ኮሚሽን ሓቅን ዕርቅን ይቐውም። እዞም ኮሚሽናት እዚኦም ግዳያት ተመኩሮታቶም ከካፍሉ፣ ፈውሲ ከስፋሕፍሑን ኣብ ሃገራዊ ዕርቂ ኣበርክቶ ክገብሩን መድረኽ ይህቡ።
4. ካሕሳ፡- ካሕሳ ግዳያት ምጽናት ዓሌት ዝወርዶም ጉድኣት ንምፍታሕ ዝዓለመ እዩ። ንሳቶም ድማ ፋይናንሳዊ ካሕሳ፡ ምምላስ ንብረት፡ ምርካብ ክንክን ጥዕናን ትምህርትን፡ ወይ ካልእ ብጃምላዊ ቅትለት ዝተሃስዩ ህይወትን ማሕበረሰባትን ዳግማይ ንምህናጽ ዝሕግዝ ዓይነት ሓገዝ ከጠቓልሉ ይኽእሉ።
5. ምጉስጓስን ንቕሓትን፦ ብዛዕባ ምጽናት ዓሌት ንቕሓት ምዕባይን ንፍትሒ ምጉስጓስን ወሳኒ እዩ። ደለይቲ ፍትሒ፡ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብቕትለት ዓሌት ዝተሃስዩ ማሕበረሰባትን፡ ፍትሒ ኣብ ምድላይ፡ ነቲ ዝፍጸም ግፍዒ ኣቓልቦ ኣብ ምምጻእ፡ ከምኡ’ውን መንግስታትን ኣህጉራውያን ኣካላትን ስጉምቲ ክወስዱ ኣብ ምልዕዓል ዓቢ ተራ ኣለዎም። ግዳያት ምጽናት ዓሌት ፍትሒ ምርካብ ዝተሓላለኸን ነዊሕን መስርሕ ክኸውን ከም ዝኽእልን፡ ከከም ፍሉይ ኩነታትን ጸጋታትን ክፈላለ ከም ዝኽእል ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።
ፍትሒ ንምርካብ ብፍላይ ደገ ዘለና ቃልስና ክቕፅል ይግባእ::
0 notes
Text
ብዛዕባ ስንባደ(trauma ) ዘንበብክዎ ብትግርኛ ከም ዝጥዕመኒ ገይረ ከቕርቦ ክፍትን እየ ሰናይ ንባብ::
ካብ ስንባደ ምድሓን ከቢድ እዩ ግን ንኽትሓልፎ ብልሓት ኣሎ። ካብ ስንባደ ምድሓን ይከኣል እዩ ምኽንያቱ ብዙሓት ኣብዚ ትካል ዘለና ከምኡ ክንገብር ስለዝተገደድና።
ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ስንባደ ከመይ ጌርና ከም እንድሕን ክንሓስብ ኣለና ስለ ዝደለና ዘይኮነስ ኣብ ህይወት ንቕድሚት ንምስግጋር ግዴታ ስለ ዝኸውን። ትርእዮ ኣለኻ፡ ካብ ስንባደ ምስ ደሓንካ፡ ካብ ዓራት ምውጻእ ጥራይ ዓወት ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ።
ብብዙሕ መዳይ፡ ምስ እትፈትዎም ሰባት ድሕሪ ዘጋጠመካ ስንባደ ዝመልኦ ተመክሮ ወይ’ውን ክትርስዖ ዘይትኽእል ስንባደ ዝመልኦ ፍጻመ፡ ሓጐስ ናይ ምድላይ ወይ’ውን ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ሓጐስ ክትስምዓካ’ውን ክእለትካ ክትስእን ቀሊል’ዩ። ግን፡ እዚ ብህይወት ክትሓልፈሉ እትኽእል መገዲ ኣይኮነን።
ድሕሪ ስንባደ ዝመጽእ ጸቕጢ ጸገም Post-traumatic stress disorder (PTSD) ኣብ ፍርሒ ክትነብርን ኣብ ውሑስ ምዃን ከተተኩርን ክገብረካ ይኽእል። ጽቡቕ ትርጉም ኣለዎ። ሕማቕ ተመኩሮታት ወይ ዝኾነ ዓይነት ስንባደ ዝመልኦ ፍጻመ እንተ ኣሕሊፍካ፡ ዓለም ዘፍርሕን ውሑስን ክኸውን ከም ዝኽእል ትፈልጥ ኢኻ። ካብ ናርሲስታዊት ስድራቤት ዝመጹ ድሕረ ባይታ ስንባደ ዘለዎም ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ነገር ዘስካሕክሕ ተዘክሮታት ምስ ዘበገስ ብስንባደ ቁሪ ደው ከብሉ እዮም - ሓደ ካብ ብዙሓት ምልክታት ስንባደ። ነዞም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት፡ ዝኾነ ነገር ብዘይግቡእ ምሕዳግ ምግባር ዝብል ሓሳብ ዘይሕሰብን ንጥዕና ኣእምሮኦም ብሓያል ክጸልዎ ዝኽእልን እዩ።
ዳግማይ ሓጎስ ዝስምዓካ መገድታት ምርካብ ኣካል ናይቲ መስርሕ ምሕዋይ እዩ። እቲ ዘሕዝን ተመክሮ ኣብ ህሉው ወይ መጻኢ ህይወትካ ሓጐስ ከይህልወካ ምፍቃድ ግን፡ ኣብ ልዕሊ መጉዳእቲ ጸርፊ ምውሳኽ እዩ። እቲ ጸገም፡ እቲ ቃንዛ ደጋጊምካ ክስምዓካ፡ ኣእምሮኻ ብተፈጥሮኡ ክገብሮ ዝደሊ ምዃኑ እዩ። ብሓቂ እቲ ዘሕዝን ልምዲ ምህላው ገለ ናይ ሓንጎል ዓስቢ ኣለዎ።
ድሕሪ’ቲ ክልሰ-ሓሳብ ዘሎ ናይ ሓንጎል ሳይንስ ኣይርድኣንን’ዩ፡ እንተኾነ ግን ኣሚግዳላ ድሕሪ ስንባደ’ዩ ዝቕየር፤ እቲ ስንባደ ከም ሱፐርግሉ ይጣበቐካ፣ ስለዚ ንኽትነብር ኣተሓሳስባኻ ከመይ ጌርካ ከም እትቕይሮ ክትመሃር ኣለካ። ንዓይ ሓደ ክፋል ናይቲ ካብ ስንባደ ዝፍወስ ዝነበረኒ፡ ንነብሰይ ዝደልዮ ህይወት ምምራጽን ድሕሪኡ ኣብኡ ንምብጻሕ ዘድሊ ስጉምትታት ምውሳድን እዩ ነይሩ። ካልእ መንገዲ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።ሓድሽ ሓሳባት ጥራይ ክትሓስብ ኣለካ።
... ካብ ዘሕዝን ፍጻመታት ምድሓን ማለት ሕጂ ነቲ እትደልዮ ህይወት ክትመርጽ ትኽእል ማለት እዩ።
ካብ ስንባደ ንምድሓን ዝግበሩ ተግባራት እንታይ እዮም? ስንባደ ኣብ ህይወት ��ል ኣንስተይቲ ኣዕናዊ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል’ዩ። ዝኾነ ስንባደ ዝፈጥር ፍጻመ ንደቂ ኣንስትዮ ተነጺለን፣ በይነንን ፍርሕን ክስምዐን ይኽእል። ንማንም ክትኣምኖ ከም ዘይትኽእልን ዓለም ሓደገኛ ምዃናን ክስምዓካ ይኽእል’ዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ስንባደ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ምስ ዝምድናታት፡ ስራሕን ርእሰ-ምትእምማንን ዝያዳ ክቃለሳ እየን። ስንባደ ምስ ኣካላዊ ምልክታት ከም ሕማም ርእሲ፡ ቃንዛ ከብዲን ቃንዛን እውን ክቐርብ ይኽእል።
ቃታ(trigger ) ንዝሓለፈ ስንባደ ዘዘኻኽረካ ነገር እዩ። ምናልባት ክትዕ ትሰምዕ ትኸውን፡ ካብ ዝሓለፈ ባእሲ ስለ ዘዘኻኽረካ ድማ ሕርቃን ይገብረካ። ብልጭታ(glimmer ) ጽቡቕ ስምዒት ዝፈጥረልካ ነገር እዩ። ኩሉ ውዑይን ድብዝዝን ብውሽጡ።
ትርጉምን ዕላማን ዘይብሉ ህይወት ኣሰልቻውን ጭንቀትን ህይወት እዩ። ካልኦት ሰባት ምሕዋይ ንኽረኽቡ ምሕጋዝ፡ ፈጣራይ ምዃንን(being creative) እንስሳታት ምድሓንን ንህይወተይ ትርጉም ዘምጽኡ ነገራት’ዮም፡ ስለዚ ኣነ’ውን ከምኡ’የ ዝገብር። ኣብ ውሑዳት ምድሓን እንስሳታት ወይ መዕቆቢ ቦታታት ኣዝየ’የ ወፍሪ ገይረ። ቪድዮታቶም እርኢ፡ ዝሕግዞም እንስሳታት እፈልጦ’የ፡ ዝሕግዝ ነገር ምስ ገበርኩ ድማ ሕጉስ ይስምዓኒ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ነዚ ብሎግ’ዚ ዝጽሕፎ ዘለኹ፡ ሓደ ሰብ ዋጋ ክረክብ ተስፋ ብምግባር’የ። ሓደ ሰብ ታሪኸይ ሰሚዑ ካብ ስንባደ ክትሓዊ ከም እትኽእል ክፈልጥ’ዩ፡ ከመይ ጌርካ’ውን እንሆ።
ኩላትና ሓጐስ ክስምዓናን ኣዘውቲርና ዘብርሃና ሰባትን ነገራትን ንጥፈታትን ክንረክብን የድልየና። ኣብ ምሕዋይ ዝረኸብክዎም ነገራት ንህይወተይ ዘሀብትሙ ኣብዚ ኣለዉ፤ ውዑይ ዮጋ፡ ምጉዓዝ ብእግሪ፡ ተፈጥሮ፡ ሓደ ፍሉይ መስሓቕ ዓርኪ፡ ብፍላይ፡ መስሓቕ ናይ እንስሳታት ኣካውንትታት ኣብ ኢንስታግራም፡ ቪድዮታት ምድሓን እንስሳታት፡ ኣኽላባተይ፡ ጉዕዞ፡ ጥዑም መግቢ፡ ናብ ፊልም ምኻድን ፖፕኮርን ምብላዕን፡ ብሉጽ ምርኢት ብብዝሒ ምርኣይ፡ ምሕጻብ ድምጺን ካልእን እዩ።
ንውሽጣዊ ውላድካ ዘሐጉስ ንመዘናግዒ እንታይ ትገብር? ንመዘናግዒ እንታይ ከም ዝገብር ተሓቲተ ከመይ ጌረ ከም ዝምልስ ዘይምፍላጠይ ይዝከረኒ። ድሕሪኡ ዘዘናግዕ ነገራት ግበር ተባሂልካ ካበይ ከም እትጅምር ዘይምፍላጥ። መዘናግዒ ብኹሉ ዓቐንን ቅርጽን ይመጽእ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ጽቡቕ ግዜ ምስ ዓርክኻ ወይ እትፈትዎ ሰብ ፍቕራዊ መዓልቲ ምሕላፍ ዝኣመሰለ ቀሊል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ክኸይድ ከም ዝደሊ’ውን ርግጸኛ ኣብ ዘይነበርኩሉ ኮንሰርት ይረኽባ’ሞ፡ ካርኒቫል ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ’ውን ይሕጐስ። ብድሕሪኡ ኣብ ገዛ ጽቡቕን ምቹእን ምጽናሕን ክንክን ኣፃብዕትን ኣፅፋርን(manicure) ጥራይ ምውጻእን ከምቲ ዝረኽቦ ዘዘናግዕ ኮይኑ ዝስምዓሉ መዓልታት ኣሎ። ገለ ካብቲ ሎሚ ንመዘናግዒ ዝገብሮ ነገራት ንእሽቶይ ከለኹ ዝገበርክዎን ናብ ህይወተይ ዝመለስክዎን ነገራት እዩ። ንድሕሪት ተመሊስካ ��ሰብ’ሞ ቈልዓ ከለኻ እንታይ ከም እትፈትዎ ዘክር፡ ምናልባት’ውን ክትጅምረሉ እትኽእል ቦታ ክኸውን ይኽእል’ዩ።
0 notes
Text
ቆንስጣንጢኖስ ዝበሃል ንጉስ ናይ ኮንስታንቲኖስ (ብግሪኽ) ናብ ስልጣን ምስ መፀ ኣብ ሮማ ንምብራቕ ገፁ ክዋፈር ከሎ ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ምስ ሓዉ ተገራጭዪ ንግስና ንምምንዛዕ ዝገብርዎ ዝነበሩ ባእሲ እዩ እምበር ንክርስትና ሓልዯም ኣይነበረን:: ድሓር ግና እናተዋፈረ ምስ ከደ ኣብ ዓወት ክትበፅሕ ሓገዝቲ ክትረክብ ኣለካ::
ሓገዝቲ ክትረክብ ከዓ እቶም ዝበዝሑ ኣብዚ ከባቢ ዘለዉ ኣብ ናይ በዓል ሎሚ ግሪክ;ቱሪኪ;ሶርያን ሊባኖስን ክርስትያን ስለዝኾኑ "ክርስትና እቶ እቲ ህዝቢ ክስዕበካ እዩ ካብኡ ክትስዕር ኢኻ ተባሂሉ" ::
ክርስትና ስዒቡ ምስ ሰዓረ ድሓር ንሱ ዝአትወሉ ከም ንጉስ ዝኾነሉ 324 AD እዩ ነይሩ:: ንሱ ክሳዕ 337AD ገዚኡ ማለት እዩ:: ኣብቲ እዋን እምበኣር ምስ ነገሰ ሓንቲ ዓመት ምስ ገበረ ብ325AD ኣብ ኒክያስ ዝበሃል ቦታ ዘሎ እዩ :: ኣብ ናይ ሎሚ ግሪክ ንኹሎም ክርስትያን ዝበሃሉ ናይ 318 ወከልቲ ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ርትዑና ሃይማኖት ወከልቲ ዓዲሙ ጉባኤ ብምስራሕ ንሱ ባዕሉ ኣብ ማእኸል ከም መራሒ ኮይኑ ነቲ ሃይማኖት ኣብ ጥቕሙ ከም ዝውዕል ገይርዎ::
ክርስትያናት ወይ ቤተ ክርስትያን ከም ገባሪ ፅቡቕ ከም ተኻሊ ክርስትና ገይራ እያ ትወስዶ ወይ ገይሮም እዯም ዝወስድዎ ኣብኡ ብዙሕ ስሕተታት ኣሎ::
ከይሞተ ኸሎ ገና ኣብ ኣንፃር ናይቱ ብ325 ዘሕለፎ ናይ ጉባኤ ኒክያ ውሳኔ ተመሊሱ ብኻልእ ብናይ አርዯሳዊ ስምዒታት ክኸይድ ጀሚሩ :: ፀኒሑ ካብኡ ንሱ ምስ ሞተ ብ337 በቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ምስኡ ዝመርሑ ኣባ ኤልክሳንድሮስ ዝበሃሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ናይ ግብፂ እዯም ነይሮም::
ኣባና ማለት ንሕና ሓበሻ በቲ ናቶም ስርዓት ንኸይድ ስለዝነበርና ንሶም ምስ ሞቱ ካልእ ኣባ ናቲዯስ ዝበሃሉ ብ326 ሓደ ዓመት ድሕሪ እቲ ጉባኤ ተሸይሞም:: በዚ እዋን እዙይ ብ337 ከዓ ቆንስጣንጢኖስ ሞይቱ:: ብድሕሪኡ ወዱ ኮንስታንቲን ተሾይሙ :: ኮንስታንቲን ከዓ ካብ 337-361 ነጊሱ :: ኣብዚ እዋን እዙይ ናቴዎስ ዝበሃል ኣብ ሊሂቃን ስለ ዝተሰየመ እቲ ናቱ መራሒ ኣብ ግብፂ ዝተሰየመ ኩሉ እቲ አርዯሳዊ ተግባራት ከዓ ይኹንኖን ይቃዎሞን ስለዝነበረ ኮንስታንቲን ወዲ ቆንስጣንጢኖስ ከዓ ተኸታሊ ናይ አርዯ�� ስለዝነበረ ንኹሎም ክርስትያን ብትምህርቲ ናይ ኣባ ናቴዎስ ዝተዋፈሩ ክምለሱ ከምዘለዎም ወይ ኣብቲ ሃይማኖት ናይ አርዯስ ይኣትዉ ወይከዓኒ ይቕንፀሉ ::ዝብል ስሚዒታት ምስ ከደ ኩሎም ተመሊሶም ኣብቲ ንሱ ዝደልዯ ኣትዯም::
ብኣባ ናቴዎስ ተቐቢኦም ናብ ሓበሻ ዝተሰዱ ጳጳስ ነይሮም:: ናብ ምድሪ ሓበሻ ክርስትና ቢ ኣባ ሰላማ ኣይኣተወን:: ኣባ ሰላማ ክርስትያን ዝኾነ ህዝቢ ረኸቡ ጥራሕ እዩ ነቱ ህዝቢ ክርስትያን ዝኾነ ህዝቢ ኢሉ ኒ ኣባ ናቴዎስ ዝነገሮ እምበር ኣነ ክርስትያን ገይረዯ እየ ኣይበለን::
ፀሓፊ ባዕለይ Berihu Gebru
ምንጪ ፅሑፈይ ሰነዳት መምህር Bokre Culture & History
0 notes